ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ

ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ

Share

ናይዚ ፔጅ ዋና ዓላማ ህዝቢ ትግራይ ብምንቃሕን ድሑር ኣታሕሳስባ ዘለዎም ብምቅላስ ብዲሞክራሲ ዝማዕበለት ትግራይ ምርኣይ እዩ

Photos from ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ's post 12/08/2026

ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቱ ብዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ ዝተዉሃበ እዋናዊ መግለፂ!!

ዲሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ኣብ እዋናዊ ፖከቲካዊ ኩነታት ትግራይን ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣብ ዝረኣዩ
ምዕባለታት በብእዋኑ እናተኸታተለ ንህዝብና መግለፅታት እናዉፅአ ከምዝመፀ ዝፍለጥ እዩ፡፡

በዚ መሰረት ጉጅለ ድሕረትን ገበንን ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ዝተጣየሸ ሕጋዊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዕልዋ መንግስቲ ብምክያድ ቀንዲ መሳሰይን ልኡኽን ናይ ግዳም ሓይልታት ብምዃን
ትግራይ ናይ ምድሪ ሲኦል ገይርዋ ይርከብ።

እዚ ጉጅለ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ስምምዕነት ዉዕል ፕሪቶሪያ
ከይትግበርን መስርሕ ስላም ከይጠናኸርን ዕሾኽ እናዘርአ ዝፀንሐ እንትኸዉን ካብ ዕለታዊ ጉጅላዊ
ረብሓታቱ ወፃኢ ካሊእ ዕላማ ከምዘይብሉ ብተግባር እንዳተረጋገፀ ዝመፅአ ሓቂ እዩ።

ኩሉ ግዜ ዘጨንቆ ጉዳይ ደሕንነት ህዝቢ፣ ምምላስ ተመዛበልን ምውሓስ ግዝኣታዊ ሉኣላውነትን ዘይኮነስ ጉዳይ ጉጅላዊ
ረብሓታቱን ንረብሓታቱ ከማልእ ዝፈፀሞም ገበናት ስዒቡ ዝመፅእ ናይ ተሓታትነት ጉዳይ እዩ፡፡

ነዚ ሓደ መርኣያ ሕዚ ዝገብሮ ዘሎ ዕንደራ ኩናት ናብ ኣዲስ ኣበባ 'ምበር ናብ ምውሓስ ልኣላውነትን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ከምዘይኮነ ብዕሊ እናገለፀ ይርከብ።

በዚ ምኽንያት እዩ ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ናይዚ ጉጅለ ካብ ኩናት ወፃኢ ዘይነብር ምስ መስርሕ ሰላም ከብድን ሑቖን እዮም ንብል ዘለና።

እዚ ፀረ ሰላም ሓይሊ ስልጣን ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ካብ ዝብሕት ንደሓር ብምኽሪ ሻዕብያ
ዘውፀኦም ሕግታት ይኹን ውሳነታት ነቲ ዓፋናይ ፀረ ህዝቢ መንነቱ እዩ አረጋገፁ፡ጉጅላዊ ረብሕኡ
ንምሕላው ብዓይኒ ዕሙተይ ናብ ሙሉእ ዓፈና ስርዓት ኣቲዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ገዛእ መሬቱ መእተዉን
መውፅእን ኣስኢኑ ከተማታትና ኣዕኒዩ ገጠራትና ኣባዲሙ መንእሰይ ኣልቦ ክልል ገይሩዋ ይርከብ ።

ኣብ ከቢድ ፖለቲካዉን ዲፕሎማሲያዉን ስዕረት ወዲቑ ካብ ህዝቢን ማህበረሰብ ዓለም እናተነፀለ ኣብ ናይ መወዳእታ ተስፋ ምቑራፅ ዝርከብ እዚ ሓይሊ ዓይኒ ዘውፅአ ዘይሕጋዊ ናይ ሽፍትነት ተግባራት
ይፍፅም አሎ፡፡

ንኹናት ዝዉዕል ገንዘብ ንምእካብ ብዘይ አገባብ ዝዘርፎ ዘሎ ናይ መኣድን ሃፍቲ ከይኣክል ንዘመናት
አብ ኢድ መንግስቲ ተዓቂቦም ዝፀንሑ ብሕጊ ከማሓድሮም ጥራሕ እምበር ክሸጦም ይኹን ናብ ሳልሳይ
ወገን ከመሓላልፎም ከምዘይከኣል ብኣዋጅ ንዝተደንገገ ቕርስታትን ህንፃታትን ሎሚ ንይስሙላ ጨረታ
ኣቕሪቡ ይሸጦም ከምዘሎ ውድብ ስምረት ኣረጋጊፁ'ሎ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብዚ ኸይዲ ትሳትፉ ዘለኹም ሰብሃፍቲ እቲ ኸይዲ ጨረታ ይኹን መሽጣ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ፈሊጥኩም ንባዕልኩም ካብ ከምዚ
ዝመሰለ ተግባር ክትርሕቑ ደጊምና ክነፍልጥ ንፈቱ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ ንመናእሰይ ትግራይ ብሓይሊ ኣብ ምግፋፍ ኢድ ዘለኩም ኣካላት ካብ'ዚ ዘይሕጋዊ
ተግባር ክትቁጠቡ ብተደጋጋሚ ዋላ'ኳ እንተፍለጥና ሐዚ'ውን ንዘይረብሕ ዓስቢ ክትብሉ ተስፋ ቖሪፁ ሓድነት ተጋሩ ምስ ዝብትን ዘሎ ጉጅለ ተሰሊፍኩም ሓይሊ ብምጥቃም ኣብ ቅትለትን ግፋን መናእሰይ ትርከቡ ኩሉኹም ሕዚ ዉን ካብ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ተቖጢብኩም ምስ ህዝብኹም ክትስለፉ ውድብ ስምረት ደጊሙ ፃዉዒት የቕርብ።

ብኻልእ ወገን ሎሚ ቕነ ምስ ህግደፍን ካልኦት ሃገራትን ሓገዝቲ ኣለዋና ብዝብል ሓላፍነት ብዝጎደሎ ኣብ ዝተኻየዱ ዓውደ ውግእ ሸረሪና ይኹን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዘጋጠመ ደብዳብ ድሮን ስዒቡ ዝበፅሐ ከቢድ ጉድኣት ከም ዉድብ ስምረት ዘሕዝን'ኳ እንተኾነ አብዚ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ሂወት ኪሳራ ተሓታትነት ዝሽከም ወግሐ ፀብሐ ዳንኬራ ኩናት ዝጉስም ዘሎ እቲ ዱሑር ጉጅለ ምዃኑ እንዳገለፅና ካብ ድሌት ወፃኢ ናብ ግንባራት እቶ ዝበሃል ዘሎ ዑጡቕ መንእሰይ ትግራይ እቲ ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ ኩናት አብ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ጥር እትብል ጥቕሚ ከምዘይብሉ ተረዲእኻ ኩሎም ዓይነት ኣማራፅታት ተጠቒምካ ሂወትካ ክተድሕን ውድብ ስምረት ይፅውዕ፡፡

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ዉድብ ስምረት አብ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ብዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ አብ
ህዝብና ዝለዓለ ህዝባዊ ድጋፍ ዝወነነ ዉድብ እንትኸዉን ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ፣
ኢኮኖሚያዊ ፣ማሕበራዉን ስነ ልቦናዉን ቅልዉላዉ ብሰላማዊ ቃልሲ ንምፍታሕ ምስ ኩሎም ደለይቲ
ለዉጢ ሓይልታት ብሓባር ዝቃለስ ዘሎ ብሄራዊ ዉድብ እዩ፡፡

ይኹን ምበር ነቲ ዝለዓለ ህዝባዊ ቅቡልነትን ናይ ህዝብና ናይ ለዉጢ ተስፋን ንከይቕፅል ብዉሽጥን
ብደገን ዝተዋደደ ወፍሪ ፀለመ ኣብ ልዕሊ ዉድብናን መሪሕነቱን ይካየድ ኣሎ፡፡

ዉድብ ስምረት ዋላ'ኳ ገና አብ እግሪ ምትካል ዝርከብ ዕሸል ብሄራዊ ዉድብ እንተኾነ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብዉሽጥን ብደገን
ከበድቲ ፈተናታት ብፅንዓት እናመከተ ንቕድሚት ዝግስግስ ዘሎ ናይ ፅባሕ ናይ ተስፋ ዉድብ እዩ፡፡

ንዉድብ ስምረት ሓዉሱ ተስፋ ትግራይ ዝኾና ብሄራዊ ዉድባት ትግራይ ምስ ሲቪክ ማህበራትን
ፈረምቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ብምዃን ቤት ምኽሪ ሰላምን ለዉጥን ብምጥያሽ ኣንፃር ኣብ ትግራይ ዓሪዱ
ዘሎ ገባታይን ድሑርን ስርዓት ብሓባር ዘይተሓለለ ውዑይ ቓልሲ ይግበር ኣሎ፡፡

እንትኾነ ግና በዚ ናይ ለዉጢ ምንቅስቓስ ሕጉሳት ዘይኮኑ ውልቀሰባት ነቲ ዝተጀመረ ጉዕዞ ኮሊፍካ ብምፍራስ ስቓይ ህዝብና
ንምንዋሕን ዝተኸደ ርሕቐት ገና ከይሰጎመ ምብርዓኑ ክንሕብር ንፎቱ፡፡

ኣብዚ ሑሱር መስርሕ ብግብሪ
ዝተረኸቡ ኣብ ቀፃሊ ንህዝብና ግልፂ ከምንገብር እናሓበርና መላእ አመራርሓን ደገፍትን ዉድብ ስምረት
ብፍላይ ፣ ደለይቲ ለዉጢ ብሄራዉያን ዉድባት ድማ ብሓፈሻ ዝተጀመረ ናይ ለዉጢ ጉዕዞ አብ ጫፍ ንምብፃሕ በቲ ተጀሚሩ ዘሎ ናህሪ ንክቕፅልን ቓልስና ንክንሐይልን ንፅዉዕ፡፡

ኣብ መወዳእታ እዚ ድሑር ጉጅለ ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆል ብዝብል አብ ልዕሊ ህዝብና ዘካይዶ
ዘሎ መጭወይትን መቅተልትን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንምቅራብ ኣገዳሲ ስለዝኾነ መላእ ህዝብና ሕድሕድ
መረዳእታ ክትሕዝ፣ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ተወዲብካ ክትቃለስ ዕድመ እዚ ጨካን ኣራዊት ጉጅለ ክተሕፅርን ዝተጀመረ ቃልሲ ኣጠናኺርካ ክትቅፅል ንፅውዕ።

መንግስቲ ፌዴራልን ማሕበረሰብ ዓለምን እውን ነዚ ፀረ ሰላምን ጠንቂ ዘይምርግጋዕ ናይዚ ዞባ ዝኾነ ጉጅለ ንምእላይን ናብ
ሕጊ ንምቕራብን ዝግበር ቃልሲ ደገፍኩም ክተጠናኽሩ ንፅውዕ።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና !

ዴሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት)

6 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.

👇👇👇

07/08/2026

ናይ ሕሊናን ማሕበረሰባዊ ውድቀትን ዘስዐበ ውሳነ ትካላት ፊትሒ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ — ሓደ ሕብረተሰብ ናይ ዕንደራን ግፍዕን መኣዲ ክኸውን እንተሎ፡ እቲ ዝዓበየ በደል እንተተፈፀመ ውን ገበን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነቲ ገበን ከም ንቡር ናይ ምውሳድ ወይ ብስቕታ ናይ ምሕላፍ ሕሊናዊ ውድቀት እዩ ዘስዕብ። ኣብ ኣደባባይ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጋህዲ ዝተቐተለት ንፅህቲ ጓል-ሂዋን ሓፍትና ዘውዱ፡ ሎሚ እውን ፍትሒ ስኢና ንኻልኣይ ግዜ በቲ ድሑር ጉጅለን ነቲ ስርዓት ዝሕሉ ዘሎ ሕሊና-ኣልቦ ዕጡቕ ሓይልን ብዘይንሕስያ ትቕተል ኣላ። እዚ ካብ ሞት ንላዕሊ ዘቑንዙ ካልኣይ በደል እዩ።
ሓፍትና ዘውዱ ክልተ ግዜ እያ ተበዲላ። ቀዳማይ፡ ኣብ ናይ ንእስነት ዕድሚኣ ብጭካነ ህይወታ ብምቕጣፋ፤ ካልኣይ ድማ፡ ነቲ ብጋህዲ ዝተፈፀመ ገበን ፍትሒ ብምኽልካላ እዩ። "መረዳእታ ጠፊኡ" ወይ "ኣሰራርሓ ኣይፈቅድን" ብዝብሉ ብላሽ ናይ አድልዎ ምኽንያታት ብምፍጣር ፍትሒ ምዕፋን ገበን ምዃኑ እናተፈለጠ፡ እቲ ስርዓትን መሓውሩን ንትግራይ ንሲኦል እውን ኣብ ዘንዕቕ ናይ ስቓይ ማዕበል ኣንስፊፋዋ ይርከብ።
"ኩሉ ዜጋ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ እዩ" ዝብል ዓለምለኻዊ ናይ ፍትሒ መበገሲ ንስድራ እቲ ድሑር ጕጅለ ኣይሰርሕን። ዝተፈላለየ ቢሮክራሲ ብምፍጣር ንስድራኦምን ንመሓውሮምን ካብ ተሓታቲነት ንምንትራፍ እቲ ንኻልኦት ዝቐፅዕሉ ሕጊ ክሰባብሩዎ ትርኢ። ደቂ ድኻታት ንምርሻን ዝጥቀሙሉ፡ ንኻልኦት ብዘይ መረጋገፂ ሓኒቖም ዝጨውዩሉ ሕጊ፡ ኣብ ልዕሊኦም እንተመፂኡ ግን ኣይሕተቱሉን ኣይቕፀዕሉን። እዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ፈረቓ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ኣሰራርሓኦም እዩ። ትካላት ፍትሒ ትግራይ ፍትሒ ምንጋስ ኣቢየን ባዕለን ናይቲ ገበን ተሓባባሪ ካብ ዝዀና ውዒለን ሓዲረን እየን።
ካብዚ ንደሓር ስቕታና ዋጋ የኽፍለና ኣሎ፤ ናይ ሕሊና ፈተና እውን ኮይኑና ይርከብ። እቲ ኣብ ኣደባባይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ብከምዚ ዝኣመሰለ ሽፋን እንተደኣ ሓሊፉ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ክንደይ ዝተሓብአ ግፍዕን ዘቖንዙ ጉድኣትን ይካየድ ከምዘሎ ምሕሳቡ ጥራሕ ዘሰምብድ እዩ። ሕሊናና ክሳብ ክንደይ እንተደኣ ተባላሽዩ እዩ ሕማቕ ምስማዕን ክፉእ ምርኣይን ልሙድ ገይርና "ዓገብ" ወይ "ኣይፋሉን" ምባል ዘይከኣልና፧ ነዚ ዘይሰብኣዊ ጭካነ ምኽንያታዊ ክገብር ዝደሊ ኣተሓሳስባ፡ ሰብኣውነት ዘይብሉ ሕሊናዊ ውድቀት ጥራሕ እዩ።
ፍትሒ ምሕታት ንበይንና ወይ ንሓደ ግዳይ ጥራሕ ዝግደፍ ናይ ውልቀ ጉዳይ ኣይኮነን። ፍትሒ ምሕታት ንባዕልኻ፡ ንስሙይነት ሕብረተሰብካ፡ ንመፃኢ ወሎዶን ንምኽባር ልዕልና ሕግን እዩ። ሎሚ ኣብ ጎኒ ውፁዓት ደው ዘይበለ ሕብረተሰብ፡ ፅባሕ ባዕሉ ናይቲ ውፅኢት ግዳይ ምዃኑ ኣይተርፎን። ስለዚ ኩሉ ትግራዋይ፡ መራሕትን ሲቪክ ማሕበራትን፡ ኣካላት ፍትሕን ብሓደ ልብን ብሓደ ድምፅን ኮይኖም "ይኣክል! ፍትሕን ማዕርነትን ይንገስ!" ክብሉ ይግባእ።
ንሓፍትና ዘውዱ ፍትሒ ክትረክብ ድምፂ ምዃን፡ ንሓደ መዝገብ ምዕፃው ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ልዕልና ሕጊ ምጥንኻር፡ ናይ ሕሊና ዕረፍቲ ምርካብን ናብ ሰብኣውነት ምምላስን እዩ። ፍትሒ እንተዘይነጊሱ ማዕርነት ኩሉ ዜጋ፡ ሰላምን ዕብየትን ክህሉ ኣይክእልን።
ንወለዳን ንመላእ ቤተሰባን ኣምላኽ ፅንዓት ይሃብ፤ ንሓፍትና ዘውዱ ድማ ፍትሒ ይንገስ!

Photos from ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ's post 03/08/2026

ፖለቲካዊ ውዲትን ምግሃስ ልኡላውነትን ሃገርን__ ካብ ታሪኻዊ ጥልመት ዝመንጨወ ሓደገኛ ኣካይይዳ ሕውሓት

አዲስ አበባ — ካብ ቀደም ጀሚሩ ሃገር ምጥላም ዝጀመረ ጸሊም ታሪኽ ሕውሓት ሎሚ እውን ኣብ ፖለቲካዊ መገዲ ብዝኸፈአ ኣገባብ ይድገም ምህላዉን ሃገራዊ ልኡላውነት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ከምዘሎን ይርአ። ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝኾነ ኣፍልጦ ከይረኸበ ሰራዊት ጎረቤት ሃገር ምውፋር፡ ንልኡላውነትን ድሕንነት ዶብን ሃገር ዝግህስን ካብ ባንዳነት ዘይፍለይ ተግባር ምዃኑ ኹሉ ዝፎልጦ ሓቂ እዩ። ዕጡቓት ሕወሓት ፣ ባህላውያን ጀነራላትን ካድረታትን ምስ ጀነራላት ሰራዊት ኤርትራ ዝገበርዎ ርክብ ንዕቀትን ሓደገኛ ኣቀራርባን እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ልኡላውነት ብንጹር ዘርኢ ባንዳዊ ተግባር እዩ።
ምስ ኤርትራን ግብጽን ብምትሕብባር ናይ ገዛእ ርእስኻ ሃገር ንምብታንን ንምጥፋእን ኣብ ውዲት ምውፋር፡ እቲ ታሪኻዊ ሕድሪ ጥልመት ሎሚ እውን ይቐጽል ከምዘሎ መርትዖ ምዃኑ ምምልካት የድሊ። ረብሓታት ሃገር፣ ክብሪ ዶባታን ድሕነት ህዝባን ኣብ ምዝመዛ ባዕዳውያን ሓይልታት ኣሕሊፍካ ምሃብ፡ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘጠቓልል ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንህሉውን መጻእን ወለዶታት ዘሕፍር ክሕደት ኮይኑ ከምዝመዝገብ ክፍለጥ አለዎ። እዚ ኣብ መንጎ ሕወሓትን ሻዕብያን ዝረአ ዘሎ ናይ ጥልመት ታሪኽን ውዲትን ንሃገራዊ ልኡላውነትን ድሕንነትን ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ንወለዶታት ዘሕፍር ታሪኻዊ ክሕደት ኮይኑ ዝስነድ እዩ።

Photos from ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ's post 02/08/2026

ቤትምኽሪ ንሰላምን ለውጥን ትግራይ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ትግራይ ዘተኮረ ሰፊሕ መድረኽ የካይድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ — ቤትምኽሪ ንሰላምን ለውጥን ትግራይ "ድሕሪ ምፍራስ ጉጅለ ህወሓት ዝህሉ ኩለ መዳይ ዳግመ ህንፀት ትግራይ" ኣብ ዝብል ዛዕባ ናይ ምኽክርን ልምዓትን መድረኽ የካይድ ኣሎ።
ኣብዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ዘበነ ህወሓት ዝፈረሰት ዓዲ ብከመይ መገዲ እንደገና ምህናፅ ከም ዝከኣል ኣንፈት ንምሕባር ዝተፈላለዩ ምሁራን ተጋሩ ተዓዲሞም ሓሳባቶም የቕርቡ ኣለው።
ንመሰረታዊ ንግድን ወፍሪ ኢንቨስትመንትን ዘበራብር ናይ ምምሕያሽ ስትራቴጂታት፣ ዝፈረሱ ትካላትን ኣገልግሎታትን ምሕዳስ ...፣ ንመጻኢ ወሎዶ ዝኸውን ዘላቒ ሰላምን ጽንዑን ትካላዊ ኣሰራርሓን ምዝርግሐ፣ ኣብ ዝብሉ ቀንዲ ነጥብታት ዘተኮሩ ሞያውን ምርምራውን ጽሑፋት ብምቕራብ ዘተ የካይዱ ኣለው።
ተሳተፍቲ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ፣ ትግራይ ካብ ዝነበረትሉ ናይ ዕንወትን ውድቀትን ባይታ ተላዒላ ብኸመይ ናብ ጽንዑን ዘላቒን ናይ ዕብየት መስመር ክትኣቱ ከም እትኽእልን፣ ንህዝቢ ብሩህ ተስፋ ዝህቡ ናይ ልምዓት ኣንፈታት ንምሕንጻፅን ብዕቱብ ይመያየጡ ኣለው።
እዚ ብቤትምኽሪ ንሰላምን ለውጥን ትግራይ ዝተሰናደወ ናይ ልምዓትን ዳግመ ህንፀትን መድረኽ፣ ንመጻኢ ናይቲ ክልል ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዳግመ ምልዕዓል ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ምህላዉ ተገሊጹ። እቲ ዘተ ተወሰኽቲ ለበዋታትን ሓጋዚ ውሳነታትን ብምሕላፍ ከም ዝዛዘም ይሕበር።

02/08/2026


ንኩሎኹም አባላት ሰራዊት ትግራይ (TDF)፤ እቶም ብ2013 ዝሞቱ ብፆትኩም ንህዝቦም እምበር ንሕውሓት ናብ ስልጣን ንምምላስ ከምዘይተሰውኡ፣ ናይ ኸዚ ኲናት ግን ንሕውሓት ንምትራፍ ጥራሕ ዝግበር ዘሎ ምዃኑ አሚንኹም እቲ ናይ 2013 ኲናት እንታይ ኣትሪፉልና ኢልኩም ብምሕሳብ ኣብ ዘይምልከተኩም ኲናት ህይወትኩም ብኸንቱ ከይተጥፍኡ ናብ ገዛኹም ተመለሱ፣ እንተ ዘይኮነ ድማ ናብ TPF ብምፅባር ዕድመ ገባላት መራሕቲ ሕውሓት ነሕፅሮ።"

01/08/2026


ውግእ ተጀሚሩ ኢልካ ታሕጓስ፤ወይ ከም ፊልሚ በቢደቂቃኡ ክትፅብፅብ ምፍታን ናይ ጥዕና ኣይኮነን። ሕዚ ውን ውግእ ንትግራይ አይጠቅማን:: መራሕቲ ሕውሓት ብኹቡር ሂወት ወድሰብ አይትቐልዱ።ኩናት ንገሊኡ ሰራሕ ንገሉኡ ሂወት ምስኣን እዩ
ጉዳያትና ብሰላም ብትዕግስቲ ብዘተ ንፍታሕ። ምዕቡላት ወግእ ጀሚሮም ውን ናብ ዘተ ይምለሱ ዮም።
ኩናት ጠጠው ይበል አየድልየናን።

30/07/2026

!!
ኣብዚ ቕረባ እዋን ኣብ እተፈላለዩ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ፕላትፎርማትን ብገሊኦም ወገናትን ብዛዕባ ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ፀጥታ ኩነታት፣ ሕጊ ምኽባርን ማሕበራዊ ህይወትን ዝዝርግሑ ዘለዉ ዝተጋነኑን ካብ ሓቂ ዝረሓቁ ናይ ሓሶት ፀለመን ፕሮፖጋንዳን ፤ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኩሎም ዜጋታት ኢትዮጵያ ማእኸል ሰላም፣ ሓድነትን ዕብየትን ኮይና ኣብ ዝቐፀለትሉ እዋን፣ ንህዝባዊ ሰላምን ምርድዳእን ንምዝራግ ዝዓለሙ ናይ ሓሶት ጠቐነታት ብኣፊኛታት እቲ ድሑር ጉጅለ አብ ምቅላሕ ይርከቡ። ብዝኾነ እዞም ንፍሖ ፖሮፖጋንዳ ድሕረት ዘይተረጋገፁ ሓሶታት (disinformation) ምዃኖም ብግልፂ ንህዝቢ መብርሂ ምሃብ ኣገዳሲ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ።
ዴሞክራስያዊ ውድብ ስምረት ዞባ አዲስ አባባ ብዝገብሮ ምፅራይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየዱ ናይ ፖሊስን ፀጥታን ስራሕቲ፣ ንሰላምን ደሕንነትን ኩሉ ዜጋ ዝዓለሙ መደበኛ ሕጊ ናይ ምኽባርን ገበነኛታት ናይ ምሓዝን ስራሕቲ ጥራሕ ምኻኖም ኩሉ ክፈልጦ ይግባእ፤ ብሄር፣ ሃይማኖት ወይ መንነት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ወይ ምሕፋስ ከም ዘይተኻየደን ኣብ ዝመፅእ እውን ከም ዘይካየድን በዓል ሙሉእ እምነት ምኻኑ ይገልፅ። ዝኾነ ይኹን ናይ ፀጥታ ስጉምቲ ዝውሰድ ብሕጋዊ ኣሰራርሓን ብፍቓድ ፍርዲ ቤትን ዝፈፀም ምኻኑ ንገልፅ ንፎቱ። ስለዚ "ብሄር መሰረት ዝገበረ ምሕፋስ ይካየድ ኣሎ" ዝብል ወረ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ንህዝቢ ኣብ ስግኣትን ዕግርግር ንምእታው ዝተኣልመ ናይቲ ድሑር ጉጅለ ፖሮፖጋንዳ ምኻኑ ክንፈልጥ ይግባእ።
ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ኩነታት ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን—ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሕማቕ ማሕበራዊ ፀገም ወዲቐን ኣለዋ ዝብሉ ሚዛን ዘይብሎም —ንህዝባዊ ስምዒት ንምልዕዓልን ፖለቲካዊ ኸስቢ ንምሽማት ተባሂሉ ዝግበር ኢሞራላዊ ተግባር ስለ ዝኾነ ክውገዝ ዝግቦኦ ነውራም ፖሮፖጋንዳ እዩ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝህቦም ናይ ስራሕ ዕድል ፈጠራ፣ ናይ ሞያ ስልጠናን ናይ ማሕበራዊ ደገፍ ፕሮግራማትን ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ንክቕፅሉ ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ኣሎ። ስለዚ ህዝብና ነዞም ናይ ሓሶት ፖሮፖጋንዳታት ብምእላይ ኣብ ጭቡጥ ናይ ልምዓትን ሰላምን ስራሕቲ ጥራሕ ክተኮር ንፅውዕ። ብተመሳሳሊ "መናእሰይ ብሓይሊ ተሓፊሶም ንታዕሊም ይኸዱ ኣለዉ" ዝብል ወረ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ምኻኑ እናሓበርና፣ ናይ ሃገራዊ ሰራዊት ምልመላ ብሕጊ ዝተደንገገ፣ ብፍቓደኝነት ዝምራሕን ብግልፂን ብወግዓዊ መገዲ ጥራሕ ዝግበርን መደበኛ መስርሕ ዝኽተል ድኣምበር ከምቲ ንሶም ዝገብርዎ ብዓፈና አፈሙዝን በትርን፥ ብሓይሊ ዝግበር ታዕሊም የለን፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እትነብር ኮነ ብስንኪ እቲ ድሑር ጉጅለ ተፈናቕልኻ ዝመፃእኻ ትግራዋይ ኣብ መደበኛ ስራሕካ ክትውዕልን ከም ዜጋ ብናፅነት ክትንቀሳቐስን መሰልካ ሕልው እዩ።
ብሓፈሻ፣ ህዝብና ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ካብ እሙናት ፍልፍላት ሓበሬታ ጥራሕ ሓቅነቱ ብምርጋፅ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ራዕዲን ኣፈላላይን ንምፍጣር ብዝዓለሙ ዘይተረጋገፁ ወረታት ከይተታለለ፣ ንዓርሱ ካብ ኣጒል በለካ ለኽዐካ ፥ ካብቲ ዝንቡዕ ፕሮፖጋንዳ ዱሑር ጉጅለን ኣተሓሳስባኦምን ብምርሓቅ ብሰላም መዓልታዊ ምንቅስቓሳቱ ከይተሸማቐቐ ንክውግን እናገለፅና፤ በዚ አጋጣሚ ሐዚ አብ እንገብሮ ዘለና ምዝገባ ተፈናቐልትን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ንክትምዝገቡን በቢክፈለከተመኡ ዝተመደቡ መተሓባበርቲ ክተማኽርዎምን ግቡእ ሓበሬታ ክትወስዱ ንፅውዕ።


ሰሚርና ትግራይ ነድሕና!!

Photos from ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ ዞባ አዲስ አባባ's post 29/07/2026



ኣስታት 30 ሺሕ ዝኾኑ ተማሃሮ ክልል ትግራይ መፈተኒ ሃገራዊ ፈተና 12ይ ክፍሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣዲስ ኣበባ፣ መቐለን ኣክሱምን ብወረቐትን ብኦንላይንን ይወስዱ ኣለዉ።
ሚኒስትር ዴኤታ ትምህርቲ ፕ/ር ክንደያ ገብረሕይወት ከምኡ’ውን ናይ ምዝናን ፈተናታትን ሓላፊ ኣቶ ተፈራ ፈይሳ ከም ዝሓበርዎ፤ ብሰንኪ ሕገ-ወጥ ጉጅለ ህወሓት ትምህርቶም ተቛሪጹ ንዝነበረ ተማሃሮ መንግስቲ ብዝገበሮ ርብርብን ናይ ጸጥታን ትምህርትን ሰብሙያታት ብዝገበርዎ ድጋፍን ተማሃሮ ብዘይምንም ስግኣት ናብ ፈተና ኣቲዮም ኣለዉ። እዚ ድማ መጻኢ ዕድል እቶም ወለዶታት ንምድሓን ዘለዎ ዓላማ ዘርኢ እዩ።

28/07/2026

#ሓበሬታ
ካብ 2015 ዓም ንድሓር ካብ ትግራይ ዝመፃእኹም ኣብ ኣድስ ኣበባን ኻልኦት ኸባቢታት ኢትዮጵያን ትነብሩ ተጋሩ ምስ ውድብና መተሓባበርቲ ትራኸቡ ብኽብሪ ንሓትት ። inbox ርኸቡና

19/07/2026

መፍትሒ ኣይምፅኡን እምበር ቃል ትመርፁ ኮ ግርም እዩ ልብለኒ!
ሂትለር የንዕቁ ብፈኸራ!
ሂትለር ግን ፈኪሩ ፈኪሩ ተሓኒቁ ከምዝሞተ ንገሩለይ!
ድሕሪ ፈኸራ ተተስዒርኻ ነብስኻ ምጥፋእ እዩ ዝስዕብ፡፡

Want your business to be the top-listed Gym/sports Facility in Addis Ababa?

Click here to claim your Sponsored Listing.

Location

Telephone

Website

Address


Addis Ababa
1000